Hvordan skal jeg tale?

Når du som forælder er til samtale i forbindelse med en underretning, kan det føles meget følsomt og måske utrygt. Det er vigtigt at huske, at formålet med en underretning er at sikre barnets trivsel – ikke at dømme forældre. Her er nogle råd til, hvordan du kan tale i sådan en situation:

Undgå
  • At gå direkte i forsvar eller blive vred – det kan lukke samtalen.

  • At tale dårligt om barnet eller andre voksne – fokusér på løsninger og barnets trivsel.

👉 En god sætning at huske er:
”Jeg er her, fordi jeg vil mit barns bedste, og jeg vil gerne samarbejde med jer.”

Sådan kan du forberede dig
  • Lyt først – lad de professionelle forklare, hvorfor underretningen er lavet, og hvad de er bekymrede for.

  • Vis åbenhed – signalér, at du ønsker at samarbejde om barnets bedste.

  • Hold roen – selvom det kan føles uretfærdigt eller ubehageligt, hjælper det at være så rolig som muligt.

Når du taler
  • Brug ”jeg”-udsagn i stedet for at gå i forsvar, fx:

    • ”Jeg kan godt se, at mit barn har været udfordret i den periode…”

    • ”Jeg vil gerne høre, hvordan vi kan hjælpe derhjemme.”

  • Spørg ind, fx:

    • ”Kan I forklare mig, hvad I præcist har observeret?”

    • ”Hvad er næste skridt, og hvordan kan jeg bidrage?”

  • Vis, at du vil samarbejde:

    • ”Jeg vil gerne være med til at finde løsninger.”

    • ”Det er vigtigt for mig, at mit barn får det bedre.”

ከም ወላዲ ምስ ናይ መጠንቀቅታ ብዝተኣሳሰር ቃለ መሕትት ምስ ዝግበረልካ፡ ኣዝዩ ተሃዋሲን ምናልባት’ውን ውሑስ ዘይኮነን ኮይኑ ክስምዓካ ይኽእል። ዕላማ ናይ ሓደ መጠንቀቅታ ግን ጽቡቕ ሂወት ናይቲ ቆልዓ ንምርግጋጽ ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ እዩ - ንወለዲ ንምፍራድ ኣይኮነን። ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ኩነታት ከመይ ጌርካ ከም እትዛረብ ገለ ምኽርታት እነሆ፤

ከመይ ጌርና ንዳሎ፣

መጀመርታ ስምዑ - እቶም ሰብ ሞያ ንምንታይ እቲ መጠንቀቅታ ይግበር ከምዘሎን እንታይ ከምዘሻቕሎምን ይግለጹ።

ክፉቱነት ኣርኢ – ንረብሓ እቲ ቆልዓ ክትተሓባበር ከም እትደሊ ኣርእዮም።

ህድእ በል - ዋላ እኳ ዘይፍትሓዊ ወይ ዘይምቹእነት ክስምዓካ ይኽእል እንተኾነ፡ ብዝተኻእለ መጠን ህድእ እንተ አልካ ነቲ ጉዳይካ ሓጋዚ እዩ።

ክትዛረብ ከለኻ

ኣብ ክንዲ ነብሰ ምክልኻል “ኣነ” ዝብል መግለጺታት ተጠቐም፣ ንኣብነት፤

  • “ውላደይ ኣብቲ እዋን’ቲ ንዙሕ በዳሂ ነገራት ከም ዝገጠሞ ይርኢ ኣለኹ...”

  • “ኣብ ገዛና ከመይ ጌርና ክንሕግዞም ከም እንኽእል ክሰምዕ ደስ ይብለኒ።”

ሕቶታት ክሕተት ዝክእል ንኣብነት፤

  • “ብልክዕ እንታይ ከም ዝተዓዘብካ ክትገልጸለይ ትኽእል ዲኻ?”

  • “እቲ ዝቕጽል ስጕምቲ እንታይ እዩ፡ ብኸመይከ ኣበርክቶ ክገብር እኽእል፧”

ክትተሓባበሩ ከም እትደልዩ ኣርእዩ፤

  • “ፍታሕ ንምርካብ ክሕግዝ ደስ ይብለኒ።”

  • “ንዓይ ውላደይ ተዕርዩ ክርእዮ ኣገዳሲ እዩ።”

ኣወግድ

ብቐጥታ ነብስካ ምክልኻል ወይ ምሕራቕ - እዚ ነቲ ዕላል ክዓጽዎ ይኽእል።

ብዛዕባ’ቲ ህጻን ወይ ካልኦት ዓበይቲ ሰባት ሕማቕ ምዝራብ – ኣብ ፍታሕን ጽቡቕ ሂወት ናይቲ ህጻንን ኣተኩር።

👉 ክንዝክሮ ዘለና ጽቡቕ ሓረግ ወይ ዘረባ፤

“ንውላደይ ዝበለጸ ስለ ዝደሊ እየ ኣብዚ ዘለኹ፡ ምሳኻትኩም ድማ ክሰርሕ ስለ ዝደሊ።”

ከመይ ጌረ እየ ክዛረብ ዘለኒ?